Metsihaf Eyo Tigrinya Hade - Yossief Worke Asrat - 書籍 - Emkulu Publisher - 9789199167800 - 2026年6月9日
カバー画像とタイトルが一致しない場合、正しいのはタイトルです

Metsihaf Eyo Tigrinya Hade


商品が入荷したらメールで通知を受け取る
プロフィールはありますか? ログイン
Yossief Worke Asrat の新しいリリースのお知らせを受け取る
iMusicのウィッシュリストに追加

まだ評価がありません

መጽሓፍ ሓደ ቀዳማይ ክፋል፡ ቋንቋ ትግርኛ ክምሃሩ ንዝጅምሩ ቈልዑ መንቀሊ ባይታ እያ። ፊደላት ትግርኛ፡ ብዝቐለለ መንገዲ ክምሃሩላ ተባሂላ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ድማ እያ። ኣብ’ዛ መጽሓፍ፡ ፊደላት ቋንቋ ትግርኛ፡ ብቕርጾም ኣብ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ተመዲቦም ኣለዉ። ቀዳማይ ጕጅለ፡ ክልተ እግሪ ዘሎዎም ፊደላት ኰይኖም፡ ብቐሊሉ ቈልዑ ክለማመዱዎም ዝኽእሉ ፊደላት እዮም። ኣብ’ዚ መደብ እዚ፡ በ፡ ቨ፡ ሰ፡ ሸ፡ ከ፡ ኸ፡ አ፡ ለ፡ ዘ ከምኡ’ውን ዠ ይጠቓለሉ። ብመሰረት ኣብ’ዛ መጽሓፍ ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶ፡ እዞም ፊደላት እዚኦም፡ ኣብ ሰለስተ ንኡሳን ጕጅለታት ተመቒሎም ኣለዉ። ሓደ ፊደል ምስ ሰዓብቱ ኣብ እንምህረሉ ግዜ ድማ፡ ንፊደላት ሳድስን ሳብዕን ፍሉይ ኣተኵሮ ክንህቦም ይግባእ። ኣብ ካልኣይ ጕጅለ፡ ሓደ እግሪ ዘሎዎም ፊደላት ኣለዉ። ገ፡ ነ፡ ኘ፡ ፐ፡ ተ፡ ቸ፡ ቀ፡ ቐ፡ ረ ከምኡ’ውን ፈ እዮም። እዞም ፊደላት እዚኦም፡ ኣብ ኣርባዕተ ንኡሳን ጕጅለታት መቒልና ክንምህሮም ንኽእል። ብተወሳኺ፡ ሓደ ፊደል ምስ ሰዓብቱ ኣብ እንምህረሉ ግዜ፡ ንፊደላት ራብዕ፡ ሳድስ ከምኡ’ውን ሳብዕ ኣተኵሮ ክንህቦም ኣለና። ብፍሉይ ፊደላት ‘ረ’ን ‘ፈ’ን ኣብ እንምህረሉ ድማ፡ ተወሳኺ ኣተኵሮ የድሊ። ኣብ ሳልሳይ ጕጅለ ዝርከቡ ፊደላት፡ ኣብ ኣርባዕተ ንኡሳን ጕጅለታት ዝተመቐሉ እዮም። ሰለስተ ኣእጋር ዘሎዎም ከም ጠ፡ ጨ፡ ሐ፣ ሓደን ክልተን ኣእጋር ዘሎዎም ከም የ፡ ደ፡ ጀ፣ ክልተ ኣእጋር ዘሎዎም ከም ‘ጸ’ን ‘ጰ’ን፣ ከምኡ’ውን እግሪ ዘይብሎም ከም ሀ፡ ዐ፡ ወ፡ መ እዮም። እዚኦም እቶም ዝበርትዑን እኹል ግዜ ክውሃቦም ዝግባእን ፊደላት እዮም። ብሓፈሻ፡ ኣብ’ዛ መጽሓፍ፡ ድሕሪ ነፍስ-ወከፍ ፊደል፡ ቃላት፡ ምሉኣት ሓሳባትን ተወሰኽቲ መላመድታትን ኣለዉ። ቈልዑ፡ ብርግኣት እንተ ተማሂሮምላ ድማ፡ ውጽኢታዊ ክትከውን ትጽቢት ይግበረላ። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብግቡእ ዝዛዘሙ ቈልዑ፡ ናብ’ታ ሊላ ዝሕብራ ናይ’ዛ ቀዳመይቲ መጽሓፍ ካልኣይቲ ክፋል ክቕጽሉ ይኽእሉ። ድሕሪኡ ድማ፡ ናብ መጽሓፍ ቍጽሪ ክልተን ሰለስተን ይቕጽሉ።

メディア 書籍     Paperback Book   (ソフトカバーで背表紙を接着した本)
リリース済み 2026年6月9日
ISBN13 9789199167800
出版社 Emkulu Publisher
ページ数 140
寸法 210 × 297 × 10 mm   ·   534 g   (重量(概算))